ርክብ ኢትዮጵያ ኤርትራን…

መቐለ ሓምለ 02/2010(ድወት)ኢትዮጵያን ኤርትራን ስሩዕ ርክብ ክጅምራ መራሕቲ ኽልቲኤን ሃገራት ተስማሚዖም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ምስ ፕረዝደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ኣብዘካየድዎ ዘተ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኣስመራ ክኽፈት ተስማሚዕና ኢና ኢሎም።

ኽልቲኦም መራሕቲ ቑጠባዊ ርክብ ኽልቲኤን ሃገራት ንምሕዳስ ከምዝተሰማምዑ ዝገለፁ ዶክተር ኣብይ መንገዲ ኣየር ኽልቲኤን ሃገራት ካብን ናብን በረራ ክገብሩ ኣብ ወደባት ብሓባር ክስራሕ ከምዝተስማምዑ ሓቢሮም።

ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብን ናብን ተንቀሳቒሶም ብሓባር ኣልሚዖም ተረባሕቲ ናብ ዝኾኑሉ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊርና ኢና ዝበሉ ዶክተር ኣብይ እዘን ሃገራት ሰላም እንተፈጢረን እዚ ቐጠና-ቐጠና ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ ኢሎም።

ብቐፃልነት ድማ ሓድነትን ማዕረ ተረባሕነትን ዜጋታት ኽልቲኤን ሃገራት ምርግጋፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ስደት ዘለዉ ወገናት ድማ ብኽብሪ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ኢሎም ዶክተር ኣብይ።

ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወገኖም ንፃውዒት ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ልቢ ብዝነቅል ሓቃዊ መንፈስ ከምዝተቐበልዎ ገሊፆም።