ሕቶ ውድድር ስፓርት ናብ ኤርትራ ተላኢኹ

ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፓርትን ትግራይ ሕውነታዊ ውድድራት ስፓርት ንምክያድ ናብ ኮምሽን ባህልን ስፓርትን ኤርትራ ደብዳቤ ልኢኹ።

እዚ ስፓርታዊ ውድድር ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ሕውነት ንምጥንካር ዝዓለመ’ዩ
ብመሰረት’ዚ ድማ ውድድራት ሳይክል ኩዕሶ እግሪ ሰርከስ ጉዕዞ እግሪን ፌስቲቫላት ሙዚቃን ምስ ኤትራውያን መናእሰይ ክትግበሩ ዝሓዞም መደባት’ዮም።

እዚ ሕቶ ዝሓዘ ደብዳበ ናብ ኮምሽን ባህልን ስፓርትን ኤርትራ በፂሑ ትስፍው ኩነታት ከምዘሎ ተገሊፁ’ሎ።

ዕላዊ ምላሽ ምስተረኸበ ድማ ስፓርታዊ ምድላው ከምዝግበር ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፓርትን ትግራይ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ገሊፆም።