ኣፕል ሓደ ትርልዮን ከስቢ ረኺቡ

መቐለ 27 ሓምለ/2010(ድወት)(ድወት)መፍረይ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ኣፕል ፈላማይ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ከስቢ ዝረኸበ ህዝባዊ ትካል ኮይኑ።

ትካል ኣፕል ንተናሓናሕቲ ትካላትን ኣማዞንን ማይክሮሶፍትን በሊፁ’ዩ እዚ ከስቢ ብምርካብ ኣብ ዓለምና ፈለማ ተባሂሉ ዘሎ።

ኣል ብዘፍርዮም ማክ ኮምፒተራት ኣይሮን ሞባይላትን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነትን ተቀባልነትን ዘለዎ ትካል ኣሜሪካ’ዩ።