ስምምዕነት ሰላም ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ሐዚ ኣብ ሓደጋ ኣይወድቅን-ሳልቫ ኪር ማያርዲት

መቐለ 29 ሓምለ/2010(ድወት)ኣብ መንጎ ተናሓናሕቲ ፓለቲካ ደቡብ ሱዳን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ድሕሪ ሐዚ ኣብ ሓደጋ ከምዘይወድቕ ፕረዝደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ገሊፆም።

ፕረዝደንት ሳልቫ ኪር ከምዝበልዎ ኣብ መንጎ ተናሓናሕቲ ፓለቲካ እታ ሃገር ኣብ ቐረባ እዋን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክኸውን’ዩ።

እቲ ሐዚ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ሙሉእ ድልየትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፅዕንቶን ዝተፈረመ’ዩ ዝበሉ እቶም ፕረዝደንት ቅድም ክብል ይካየዱ ዝነበሩ ስምምዓት ሰላም ብፅዕንቶን ሓይልን ከምዝነበሩ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ መግለፂ ዝሃቡ ማያርዲት ሎምዓንቲ ናብ ካርቱም ሱዳን ብምዃድ ነቲ ስምምዕነት ንምቅባል ምስ መራሒ ዓመፅቲ ደቡብ ሱዳን ነበር ምክትል ፕረዝደንት ዶክተር ሪክ ማቻር ከምዝራኸቡ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2013ዓ.ም.ፈ ብዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ንፁሃን ሰባት እንትሞቱ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ድማ ከምዝተመዛበሉ ፀብፃባት ይገልፁ።