ዢን ሄነሪ ሚኒስትር ሃይቲ ኮይኖም ተሸይሞም

መቐለ ነሓሰ 02/2010(ድወ)ፕረዝደንት ሀይቲ ንነበር ፕረዝደንታዊ ተናሓናሒ ዢን ሄነሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ክኮኑ ሓርዮምዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሀይቲ ጃክ ገይ ላፎንታንት ንዜጋታት እታ ሃገር ዝግበር ድጎማ ነዳዲ ምንካዩ ስዒቡ ብዘጋጠመ ተቋውሞ ካብ ሓላፍነቶም ዓርሶም ከምዘግለሉ ይፍለጥ።

እቲ ተቋውሞ ዘስዓቦ ናዕቢ ሂወት 4 ሰባት ከምዝበልዐ’ውን ተገሊፁ።

ፕረዝደንት ጆቬኔል ሞይዝ ድማ ክፍተት ኣመራርሓ ንምምላእ ኣብ ፓለቲካ እታ ሃገር ሽሞም ገዚፍ ዝለዓለ ጂን ሄነሪ ካንት ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ክኮኑ ሓርዮምዎም ኣለው።