ጆሴፍ ካቢላ ኣብ ዝቅፅል መረፃ ኣይሳተፍን

መቐለ ነሓሰ 04/2010(ድወት)ፕረዝደንት ዲሞክራቲክ ኮንጎ ጆሴፍ ካቢላ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ መረፃ ንዘይምስታፍ ምውሳኖም ዝነኣድ ተግባር ምኳኑ ብርክት ዝበሉ ትካላትን ሃገራት ዓለምን እናገለፁ ይርከቡ።

ን17 ዓመታት ነታ ሃገር ፕረዝደንት ኮይኖም ዘገልገሉ ጆሴፍ ካቢላ ኣብ ሃገሮም ህውከትን ዕግርግርን ከይፍጠር ብምስጋእ ኣብ ዝቅፅል መረፃ ከምዘይሳተፉ ገሊፆም።

ሕብረት ኣውሮፓ፣ሕብረት ኣፍሪካ፣ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብተመሳሳሊ ኣሜሪካ፣ካርደን ስዊዘርላንድን ሓዊሱ ንውሳነ እቶም ፕረዝደንት ናእድአን ገሊፀን።

ጆሴፍ ካቢላ ኣብኦም ኣብ 2001ዓ.ም.ፈ ብዕጡቋት ድሕሪ ምቅታሎም ነታ ሃገር ተረኪቦም እናመሓደርዋ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።