ጉዳይ የመን ብዘይሸራዊ ኣካል ይፃረ ተባሂሉ

መቐለ ነሓሰ 04/2010(ድወት)ኣብ የመን ኣብ ሓንቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝፀዓነት ነፋሪት ዝተፈፀመ ደብዳብ ብዘይሸራዊ ኣካል ክፃረ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ።

በዚ ደብዳብ 50 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 70 ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት በፂሕዎም’ዩ።

እዚ ደብዳበ ስዑዲ ዓረብ ብእትመርሖ ጥምረት ከምዝተፈፀመ እናተገለፀ እዩ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉቶሬዝ ነዚ ኢ-ሰብኣዊ ስጉምቲ ድሕሪ ምኲናን ብዘይሸራዊ ኣካል ክፃረ ፀዊዖም።