ፈላማይ ሃገራዊ ዓውደ ርእይ ተምሃሮን ቖፀርቲ ስራሕን

መቐለ ነሓሰ 04/2010(ድወት)ሎሚ ዓመት ዝተመረቑ ተምሃሮን ቖፀርቲ ስራሕን ዘራኽብ ፈላማይ ዓውደ ርእይ ሎመዓንቲ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ተኸፊቱ።

ኣብቲ መኽፈቲ ዓውደ ርእይ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ጥላየ ጌቴ እቲ ዓውደ ርእይ ተምሃሮ ብቑዓትን ተወዳደርትን ኮይኖም ናብ ስራሕ ክኣትው ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅል እዋን ካልኦት ቐፀልቲ ስራሕ ትካላት ብበዝሒ ክሳተፉ እቶም ሚኒስትር ፀዊዖም።

እቲ ዓውደ ርእይ ደለይቲ ስራሕ ብቐሊሉ ስራሕ ክረኽቡን፣ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦ ሰባት ከምዝንክን ተገሊፁ።

ኣብቲ ዓውደ ርእይ ልዕሊ 30ሽሕ ተመረቕትን ልዕሊ 200 ቖፀርቲ ትካላትን ኣብ ምስታፍ ከምዝርከቡ ገሊፆም።
በዚ ድማ ኤም ብር ዝተብሃለ ትካል 2ሽሕ ተመረቕቲ ከምዝወስድ ዝተገለፀ እንትኾን ካብዚ ወፃኢ ን100 ተመረቕቲ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሓቢሮም።