ሕፅረት ቐረብ መድሓኒት ይፍታሕ ኣሎ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና

መቐለ ነሓሰ 06/2010(ድወት)ብምኽንያት ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዝረአ ዝነበረ ሕፅረት ቐረብ መድሓኒት ይፍታሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብደረጃ ሃገር ቐረብ መድሓኒት ሕማም ሽኾር ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሓኒት ብምኽንያት ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ እኹል ቐረብ ከምዘይነበሩን ሕብረተሰብ ንፀገም ይቓላዕ ምንባሩን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ሚኒስትር ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን ንኢዜኣ ከምዝበልዎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብምኽንያት ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ተራእዩ (ኣጋጢሙ) ዝነበረ ፀገም ቐረብ መድሓኒት ይፍታሕ ኣሎ።

መንግስቲ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ኣሚር ንቲ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝኣትው ናውቲ ንመድሓኒት ቐዳምነት ከምዝሃበ ገሊፆም።

ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ካብ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዝኣትው ምህርትታትን ናውትታትን ኣልታዊ ፅልዋ ኣሕዲሩ ምፅንሑ ድማ ዶክተር ኣሚር ሓቢሮም።