ኤርትራ ኣባል ኢጋድ ክትከውን’ያ

መቐለ 03 ጳጉሜን 2010(ድወት) ኤርትራ ኣብ ዝቅፅል ሰሙን ዳግም ኣባል ውዳበ በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪካ ክትከውን’ያ ተባሂሉ።

ኤርትራ ኣብ 2007ዓ.ም.ፈ ካብ ውዳበ በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ዝወፀት ኮይና ኣብ 2011 ዳግም ተፀንቢራ ከምዝነበረትን ከምዝተኣገደትን ይፍለጥ።

ኣብ ዝቅፅል ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ኣኬባ በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪካ ድማ ናብቲ ውዳበ ክትፅንበር’ያ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

እዚ ከምዚ እናሃለወ መንግስትን ዓመፅትን ደቡብ ሱዳን ስምምዕነት ሰላም ክፈራረሙ’ዮም ተባሂሉ’ሎ።