ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ሩስያ ዑደት ከካይዱ እዮም…

መቐለ 04 ጳጉሜን 2010(ድወት) መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ሩስያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከካይዱ ድልዉ ምዃኖም ገሊፆም።

ሪያ ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ከምዝሓበሮ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ሞስኮ ዑደት ብምክያድ ሰሜን ኮርያ ንሰላምን ርክብ ሃገራትን ተርእዮ ዘላ ቕሩብነት ከጠናኽሩ እዮም።

ኣፈ-ጉባኤ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሩስያ ቫለንቲና ማቲቭየንኮ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ተራኺበን ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ሩስያ ዑደት ከካይዱ ቅሩብ ምዃኖም ኣፍሊጠን።

ፕረዝደንት ኪም “ደላይ ሰላም” እዮም ዝበላ ማቲቭየንኮ መዓዝ ኣብ ሩስያ ዑደት የካይዱ ንዝብል ግና ብቐፃሊ ዘተ ኽልቲኤን ሃገራት ዝግለፅ እዩ ኣብ ምባል ዝገለፀኦ ሓሳብ የለን።

ይኹን እምበር ኪም ጆንግ ኡን ንሪያ ከምዝበልዎ ምስ ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ምርኻብ ንዓይ ጠቃሚ እዩ እቲ ዑደት ድማ ኣብ ቐረባ ክኸውን እዩ ምባሎም ፀብፃብ ኣሎ።