ሓዱሽ ዓመት ንህንፀት ዝሐሸት ሃገር…

መቐለ 05 ጳጉሜን 2010(ድወት) ሓዱሽ ዓመት ንለውጥን ንህንፀት ዝሐሸት ሃገርን ዜግነታዊ ግቡእና እንዋፀአሉ ክኸውን ይገባእ ኢሎም ፕሬዝደንት ዶክተር ሙላቱ ቶሾመ።

ፕሬዝደንት ዶክተር ቶሾመ ንመላእ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብፀሐኩም ኢሎም።

እቶም ፕሬዝደንት ኣብ ዘሕለፍዎ መልአኽቲ ኢትዮጵያ ወናኒት ሃፍታም ባህሊን ሃፍቲ ተፍጥሮን ሃገር እያ በሉ’ሞ፤ እቲ ዘለና ሃፍቲ ተጠቒምና ኢትዮጵያ ዳግም ናብ ስልጣነ ትወፀሉ ኩነታት ንክህሉ ዜጋታት ተኸባቢሮምን ተኸኣኢሎሙን ብሓበር ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም።

እዛ ሃገር ኣብ ቅልጡፍ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕብየት እናሃለወት ኣብቶም ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ካብ ዘጋጠምዋ ሃገራዊ ሓደጋ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትወፅእ ከምዘላ ብምግላፅ 2011 ዓ/ም ኢትዮጵያውያን ተሓባቢርና ዝህንፀት ዝሓሸት ሃገር ዜግነታዊ ግቡእና ክንዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

ሃገራዊ ህልውና ዝረጋገፅ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን እንትህልዉ እዩ ዝበሉ ፕሬዝደንት ዶክተር ሙላቱ ቶሾመ፤ ኣፈላላይትና ብዝሰልጠነ ኣገባብ ብምፍታሕ ኣብ ዙርያ ሓደ ዝገብሩና ዛዕባታት ክንዓስል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዝቕፅል ዘሎ ዓመት ናይ ሰላም፣ ራህዋ፣ ጥዕናን ልምዓትን ክኸውን ድማ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ተመንዮም ፕሬዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾሞ።