ሓዱሽ ዓመት ዓመተ ሰላም ፍቅርን ሓድነትን…

መቐለ 05 ጳጉሜን 2010(ድወት) ሓዱሽ ዓመት ብፍቕሪ ምትሕብባርን ሰላምን ክነኽብሮ ይግባእ ኢሎም ኣቦታት ሃይማኖት።

ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዘሕለፍዎ መልአኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ሓዱሽ ዓመት ንለውጢ ሓዱሽ ዕላማና ንምዕዋት ብዝሰኸነ መንፈስን ሰናይ ባህግን ክንነጥፍ ይግባእ ኢሎም።

ምክትል ፕሬዝደንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ብወገኖም ማሕበረ ሰብ ሙስሊም ዝተጀመረ ሃገረዊ ለውጢ ብምድጋፍ ንዝሓሸት ሃገር ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዖም።

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ እዮሱስ ብወገኖም ሓዱሽ ዓመት 2011 ዓ/ም ዓመተ ሰላም ይቕረ ምብህሃልን ሓድነትን ክኸውን ተመንዮም።

ፕሬዝደንት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ፓስተር ፃድቁ ኣብዶ ድማ 2011ዓ/ም ኣብዛ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣጋጢሞም ዝነበሩ ዘይምርግጋዓት ዝፍትሕሉ ሰላምን ራህዋን ዝዓስለሉ ክኾን ዘለዎም ተምኒት ገሊፆም።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብሓፈሻ ዝቕፅል ዓመት ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዕብየት ትሰጋገረሉ ዓመት ንክኸውን ተመንዮም።