ሰራዊት ዓርሱ ክጠናኸር ክግበር’ዩ

መቐለ 02 መስከረም 2011(ድወት) ኣብ ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ መዓስከር ንክኣቱ ክጠናከርን ክግበር እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዩ ኣሕመድ ምስ ፕረዝደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሰበ ስልጠናት ህዝቢን ሰራዊትን ብምዃን ሓድሽ ዓመት 2011ዓ.ም ኣብ ከባብታት ቡሬን ከተማ ዛላምበሳን ኣብዒሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ዶብ ዝነበረ ኣከባብራ በዓል ዘሐጉስ ምንባሩ ገሊፆም።

ኣብ ከባቢታት ዶብ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ስምዒት ኲናት ተናጊፉ ናብ መዓስከር ክኣቱ ብምግባር ስነ-ልቦናዊ ምጥንካር ዝገብረሉ ዝሰልጥንሉን ዓርሱ ዘመሓይሸሉን ኩነታት ክፍጠር እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ።

ብወገን ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ ስራሕ ከምዝሳለጥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ብወገን ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሙሉእ ብሙሉእ ባዕሉ ክሳብ ዝሃንፅ ሓረስቶትን ሕብረተሰብን እቲ ከባቢ ብምሕጋዝ ናብ ልምዓት ጠመተ ገይሩ ክሰርሕ ከምዝግበር ገሊፆም።
ብቀፃልነት እቲ ሰራዊት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ ስልጡንን ደጀን ልምዓትን ላእላውነት ሃገርን ኮይኑ ንክቕፅል ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሆም።