ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ዝያዳ ክብርክ ክንሰርሕ ኢና-ትግራይ

መቐለ 02 መስከረም 2011(ድወት) መናእሰይ ዕድመኹም ዘንውሕ ሕውነትን ሓቢርካ ምንባርን ኢና ከነውርሰኩም ኢሎም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።

ዶክተር ደብረፅዮን ዛጊድ ኣንፀላልዩ ዝፀንሐ ሕማቅ ምስሊ ብምዕፃው ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምስግጋሩ ዓቢ ዓወት ምኳኑ ብምግላፅ ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመስጊኖም።

እዚ ተረኪቡ ዘሎ ሰላም ከይዝረግ ዝያዳ ክጠናከር ካብ ዝሓለፏ ተማሂርና ክንሰርሐሉ ኢና ኢሎም።

መናእሰይና ሕሉፍ ዝምድናታት ክፈልጡ ኣብ መንጎ ዘጋጠመ ቅርሕንቲ ሕማቅ ምኳኑ ፈሊጦም ሕውነትን ሓድነትን ክወርሱ ክንሰርሕ።