ሄሪከን ፍሎሪንስ ዝተብሃለ ህቦብላ ንፋስ ስግኣት ኣሜሪካ ኮይኑ…

መቐለ 03 መስከረም 2011(ድወት) ኣብ ኣሜሪካ አብ ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ብዘጋጠመ ሄሪከን ፍሎሪንስ ዝተብሃለ ሓያል ሓደጋ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ልዕሊ ሂወት ደቂ ሰባት ሓደጋ ከየስዕብ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስዓት 175 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝጓዓዝ ሓያል ህቦብላ ንፋስ ንኣስታት 10ሚልዮን ሰባት ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ካብ ደቡባዊ ኽፋል ኣሜሪካ ተበጊሱ ሐዚ ናብ ከተማታት ጆርጅያ፣ ደቡባዊ ካሮሊና፣ ቬርጅንያ፣ ሜሪላንድን ዋሽንግተን ዲሲን ዝተጋፈሐ እቲ ሓደጋ ሓያል ንፋስ ዝኸፍኣ ሓደጋ ውሕጅን ምዕልቅላቅ ማይን ከየስዕብ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ጆርጅያ ድማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ክእወጅ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።

ሃገራዊ ማእኸል ኣማኻሪ ሄሪኬን ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ድማ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰባት ሓደጋ ከጋጥም ስለዝኽእል ዜጋታት ጥንቓቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።