ምእላይ ጐንፅን ምጥንኻር ንግድን ኣጀንዳታት ፎረም ቑጠባ ዓለም ኮይኖም…

መቐለ 03 መስከረም 2011(ድወት) ምእላይ ከባቢያዊ ጐንፅታት ምጥንኻር ንግድን ቐንዲ ኣጀንዳታት ፎረም ቑጠባ ዓለም ሃገራት ኤሽያ ኮይኖም ከምዘለዉ ተገሊፁ።

መራሕቲ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤሽያ ዝሳተፍሉ ዘለዉ ፎረም ቑጠባ ዓለም ኣብ ቬትናም ይካየድ ከምዘሎ ድማ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ጉባኤ ምእላይ ከባቢያዊ ጐንፅን ምጥንኻር ንግድን ትኹረት ዝተገበረሉ ኮይኑ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ዝተጀመረ ንግዳዊ ኹናት ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ እውን ከምዝዝተየሉ ተሓቢሩ።

ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትር ቻይና ኣብቲ ፎረም ተረኺቦም ከምዝበልዎ ኣፈላላይ ብምፍጣር ንብሕታዊ ረብሓ ዘቐድም ፖሊሲ ንግዲ ኣሜሪካ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።