ፈረንሳይ ንምውጋድ ድክነት 9ቢልዮን ዶላር

መቐለ 04 መስከረም 2011(ድወት) ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ድክነት ንምውጋድ 9ቢልዮን ዶላር ከምዝተመደበ ገሊፆም።

ፕረዝደንት ማክሮን መራሒ ሃፋትም ተባሂሎም ልውቀሱ ዝፀንሑ እንትኮን ትማሊ ግን እዚ ግዙፍ በጀት ንምውጋድ ድክነት ዕላዊ ጌሮም’ለው።

ድኻታት ፅቡቅ መነባብሮ ክህልዎም ምሕጋዝ ዘይኮነስ ኣማራፂ ክህቦም’የ ዝደሊ ዝበሉ ማክሮን ዝኮነ ሰብ ድኻ ክከውን ስለዘይደሊ ድማ ጠንኪሩ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

እቲ ሐዚ ድክነት ንምውጋድ ዝተመደበ ገንዘብ ዝሓሸ ትምህርቲ ንደቂ ድኻታትን ንምፍጣር ዕድል ስራሕን ጠመተ ዝገብር’ዩ ተባሂሉ።

ኣስታት 14 ሚኢታዊ ካብ ህዝቢ ፈረንሳይ ኣብ ትሕቲ መስመር ድክነት ከምዝርከብ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፀሪሑ RT ፀብፂቡ።