ሓላፊ ኣማዞን ንምግባረ ሰናይ 2ቢልዮን ዶላር

መቐለ 04 መስከረም 2011(ድወት) ሓላፊ ትካል ኣማዞን በዓል ፀጋ ጄፍ ቤዞስ ንስራሕቲ ምግባረ ሰናይ 2 ቢልዮን ዶላር መዲቦም።

ሚስተር ቤዞስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝፀሓፍዎ መልእክቲ እዚ ምግባረ ሰናይ Day one fund ተባሂሉ ከምዝፅዋዕ ገለፁ’ሞ መንበሪ ኣልቦ ንዝኮኑ ሰባት ዝሕግዝ’ዩ ኢሎም።

ሚስተር ቤዞስ 164 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ከምዘለዎም ዝግለፅ’ኳ ተኮነ እዚ ሃብቲ ሒዞም ኣብ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ዘይምስታፎም ግን ክውቀሱ ፀኒሖም’ዮም።

ብመሰረት’ዚ ድማ ቤዞስ ደይ ዋን ፈንድ መንበሪ ኣልቦ ንዝኮኑ ስድራ ከምኡ’ውን ትሑት እቶት ኣብ ዘለዎም ማሕበረሰብ ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክሕግዝ’ዮም ኣጣይሾምዎ።

ነዚ ድማ Day one families fundን day 0ne ብዝብል ኣብ 2ተ ነፃፂሎም’ዮም ነቲ ምግባረ ሰናይ ክሰርሕሉ።

ሚስተር ቤዞስ ሓላፊ ትካል ኣማዞን ካብ ምዃኖም ብተወኺ ወናኒ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፓስት ምኳኖም ይፍለጥ።