ዘይሕጋዊ ተግባር መናእሰይ ኣይዕገስን ፓሊስ

መቐለ 04 መስከረም 2011(ድወት) ኣብ መንጎ መናእሰይ ዝፍጠር ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዘይዕገዶ ፓሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ።

ኣመራርሓ ውድባት ፓለቲካ ንምቅባል ኣብ ዝግበር ምድላው ዝፍጠር ጎንፂ ተቀባልነት ዘይብሉ’ዩ ኢሉ።

ኮምሽነር ኮምሽን ፓሊስ ፌደራል ዘይኑ ጀማል ምስ ኣቦመንበር ግንቦት 7 ብርሃኑ ነጋን ምስ ፈፃሚ ስራሕ ኦነግ ኢብሳ ነገዎን ብሓባር መግለፂ ሂቦም ኣለው።

ብኣይተ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ጉጅለ ኦነግ ንምቅባል ይግበር ኣብ ዘሎ ምድላው ኣርማ ኦነግ ንምስቃል እንትንቀሳቀሱ ዝልከሎም ኣይነበረን።

ይኩን’ምበበር ኣስፋልት ሓዊሱ ዝተፈላለያ ትካላት’ውን ብቀለም ክሕብፁ እንትፍትኑ ተከልኪሎም’ዮም ኢሎም።

ብድሕሪ’ዚ ናይ ካልእ ኣርማ ኣልዒሎም ናይ ባዕሎም ኣርማ ክሰቅሉ ዝፈተኑ ኣካላት ምስኣጋጠሙ ጎንፂ ተላዒሉ ኢሎም።

እቲ ጎንፂ ንዝኮነ ኣካል ስለዘይረብሕ ብዘተ ምፍታሕ ኣማራፂ የብሉን ኢሎም ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ፓሊስ ከምዘይዕገስ’ውን ኮምሽነር ዘይኑ ሓቢሮም።

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብወገኖም ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንህነፅ ኢልና እንትልዓል ንዕኡ ዘድሊ ባህሪ ተዘይለቢስና ኣፀጋሚ’ዩ ኢሎም።

ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣፈላላይ ብፀጋ ምቅባል ኣገዳሲ ምኳኑ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ብርሃኑ እዚ ድማ ኣፈላላይ ሓሳብ ይኩን ኣርማ ዘካትት’ዩ ኢሎም።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኦነግ ኢብሳ ነገዎ ብወገኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን መናእሰይ ዝፈጥርዎ ዘለው ጎንፅን ፀገምን ተቀባልነት የብሉን ኢሎም።

እዚ ዝርአ ዘሎ ንሕንሕ ንወድቦም ከምዘይውክል ድማ ገሊፆም።