መጠን ድኸነት ደቡብ ሱዳን ይውስኽ ኣሎ…

መቐለ 04 መስከረም 2011(ድወት) መጠን ድኸነት ደቡብ ሱዳን ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2030 ዓመተ ፈረንጂ መጠን ድኸነት ንምንካይ ተሊሙ ይሰርሕ እኳ ተነበረ ክንኪ ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ ኣሎ።

ልዕሊ 14ሚልዮን ዜጋታት ደቡብ ሱዳን መዓልታዊ እቶቶም ትሕቲ 1.25 ዶላር ከምዝኾነን ኣብ ዝኸፈኣ ሓደጋ ድኸነት ከምዝነብሩን ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመላኸት።

ፀብፃብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከምዘመላኸቶ መጠን ድኸነት ደቡብ ሱዳናውያን ክሳብ 2011ኣ.ፈረንጂ ኣብ ዘሎ ግዘ እናወሰኸ ከምዝመፀ ሓቢሩ።

ደቡብ ሱዳን ኣብ 2030 ድኸነት ብዝለዓለ መጠን ምንካይ ዝብል ትልሚ ካብ ዝተለማ 60 ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ምዃና ዝዝከር እዩ።