ውድብ ህወሓት 11 ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ መሪፁ

መቐለ መስከረም 21/2011(ድወት) መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኣፈፀምቲ ስራሕ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ትን ኢህወዴግን ብምምራፅ ሎሚ ብድምቀት ተዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ቁፅሪ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ረብሕኡን ኣድላይነቱን ብዕምቖት ብምግምጋም ካብ ዝነበሮ 45 ናብ 55 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ብዘይካ እዚ መበል 13 ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት ኮሚቴ ኣፈፀምቲ ስራሕ ውድባት ህ.ወ.ሓ.ትን ኢህወደግን መሪፁ ኣሎ።
በዚ መሰረት 1. ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

2. ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዛብሄር

3. ኣይተ ጌታቸው ረዳ

4. ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሰ

5. ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ

6. ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም

7. ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ

8. ዶክተር ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ

9. ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድን ኮሚቴ ኣፈፀምቲ ስራሕ ኢህወደግ

እንትኾኑ እዚኦምን ኣይተ በየነ መክሩን ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤልን ድማ ኮሚቴ ኣፈፀምቲ ስራሕ ህ.ወ.ሓ.ት ኮይኖም ተመሪፆም ኣለው።

ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዛብሄር ድማ ምኽትል ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ኾይኖም ተመሪፆም ኣለው።

እቲ ጉባኤ ቁፅሪ ኮሚቴ ኣፈፀምቲ ስራሕ ንህ.ወ.ሓ.ት 11 ንኢህወዴግ ድማ 9 ኣባላት ገይሩ ብምምራፅ መበል 13 ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ።