ቻይናን ኣንጐላን ስትራቴጂካዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን…

መቐለ 29 መስከረም 2011(ድወት) ሃገራት ቻይናን ኣንጐላን ኹለ መዳይ ስትራቴጂካዊ ርክበን ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሓ ተገሊፁ።

ክልቲኤን ሃገራት ሓበራዊ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነተን ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕ ዝበፅሓ ፕረዝደንት ኣንጐላ ጃኦ ላውረንስ ኣብ ቤጂንግ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምክያድ ምስ ፕረዝደንት ቻይና ሺ ዢ ፒንግ ተራኺቦም ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን እዩ።

ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይጠናኸር ኣሎ ዝበሉ መራሕቲ ቻይናን ኣንጐላን እዚ ድማ ምሕዝነትን ሓበራዊ ተረባሕነትን ቻይና ኣፍሪካ ንምጉልባት ሓዱሽ ዕድል ምዃኑ ገሊፆም።

ቻይና ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዘይቅድመ ኹነት ኣብ ጐኒ ሃገራት ኣፍሪካ እያ ዝበሉ ፕረዝደንት ቻይና ሺ ዢ ፒንግ ብቐንዱ ካብ ፅዕንቶ ነፃ ዝኾነ ልምዓት ኣብ ኣፍሪካ ክምዝገብ ከምትሰርሕ ሓቢሮም።

ፕረዝደንት ኣንጐላ ጆኦ ላውረንስ ብወገኖም ቑጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ዝተረጋገዐን ቐፃልነት ዘለዎን ቑጠባ ንምህናፅ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊፆም።

ፕረዝደንት ኣንጐላ ጆኦ ላውረንስ ካብ 8 ክሳብ 10 ጥቅምቲ 2018ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ቻይና ቤጂንግ ዑደት የካይዱ ከምዘለዉ ድማ ፀብፃባት ይገልፁ።