ጉባኤ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳይ ሃገራት ዓለም ይካየድ ኣሎ…

መቐለ 01 ጥቅምቲ 2011(ድወት) ኣርመንያ ጉባኤ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳይ ተተኣናግድ ኣላ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር የርቨን ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳይ ንመበል 17 ግዘ ምዃኑ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ኣርመንያ ካብ ዘለዋ 3ሚልዮን በዝሒ ህዝቢ 10ሽሕ ጥራሕ እዮም ቋንቋ ፈረንሳይ ዝዛረቡ።

እዚ ድማ ዘገርም እዩ እናተብሃለ እዩ።

ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝካየድ ጉባኤ ቋንቋ ፈረንሳይ ገለ መራሕቲ ሃገራት ዝተረኸቡ ኮይኖም፤ ብቐንዱ ፕሬዝደንት ፈረንሳይ ኤማኑኤል ማክሮንን ቐዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትራውድዮ ከምተረኸቡ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።