ጉጅለ ልኡኽ ሩስያ ናብ ሶርያ ኣምሪሑ…

መቐለ 27 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ጉጅለ ልኡኽ ሩስያ ናብ ሶርያ ብምቕናዕ ምስ ፕረዝደንት እታ ሃገር በሽር ኣልዓሳድ ኣብ ደማስቆስ ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።

ብፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ደማስቆስ ምስ ፕረዝደንት ሶርያ በሽር ኣልዓሳድ ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ተገሊፁ።

ከም መግለፂ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሩስያ ብዛዕባ እቲ ኣብ 27 ጥቅምቲ 2018 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ኢስታንቡል ዝተኻየደ ጉባኤ ኣርባዕተ ሃገራትን ውፅኢተን ኣድሂቦም ከምዝዘተዩ ተዛሪቦም።

እቲ ብመራሕቲ ሃገራት ቱርኪ፣ ሩስያ፣ ጀርመንን ፈረንሳይን ዝተሳለጠ ጉባኤ ኢስታንቡል ኣብታ ብኹናት ዝዓነወት ሶርያ ነፃን ግልፅን መረፃ ንክካየድ ሃገራዊ ኮሚቴ ንክጣየሽ ዝጠልብ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ ኣሎ።

ተሳተፍቲ ሩስያን ሶርያን ኣብ ዙርያ እቲ ምጥያሽ ሃገራዊ ኮሚቴ ተስማሚዖም ኣብታ ሃገር ከጋጥም ንዝኽእል ማሕለኻ ብቐፃልነት ንምፍታሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።