ሕቶ ብዝሰኸነ መንፈስ ይቅረብ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ

መቐለ 30 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ዓበይቲ ዓዲ መራሕቲ ሃይማኖትን ተወከልቲ መናይእሰይን ጎንደርን ከባቢኣን ዘትዮም።

እቲ ዘተ እዋናዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ሕቶታት ወሰንን መንነትን ዘተኮረ’ዩ ኔሩ።

ምክላል ወሰን ኢትዮጵያን ሱዳንን ሕቶ መንነትን ዓርሰ ምምሕዳርን ቅማትን ምላሹን ኣተገባብርኡን ከምኡ’ውን ምስ ትግራይን ቤንሻንጉልን ዘሎ ወሰናት ኣመልኪቶም ሕቶ ኣቅሪቦም።

ዶክተር ኣብይ ነዚ እንትምልሱ ጉዳይ ወሰን ሱዳንን ኢትዮጵያን ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሕሉ ኣገባብ ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሕቶ መንነትን ዓርሰ ምምሕዳርን ቅማንት ብዝምልከት ቤት ምክሪ ክልል ኣምሓራ ዘሕለፎ ውሳነ ግቡእን ትክክለኛን’ዩ ኢሎም።

ብመሰረት’ዚ’ውን ዓርሰ ምምሕዳር ከጣይሹ ዝተፈቀደሎም 69 ጣብያታት መሓውር ምምሕዳር ክሰረሓሉ ኣገንዚቦም።

ዛጊድ መዕለቢ ዘይረኸቡ 3ተ ጣብያታት ድማ ካብ ቤት ምክሪ ፌደሬሽን ዝለኣክ ጉጅለ ውሳነ ሓሳብ ከምዘቅርቡ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝለዓል ሕቶ ኣካልላ ምምሕዳር ግን ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ’ውን ዝለዓል ሕቶ ብምኳኑ ሃገራዊ መፍትሒ ክቅመጥ ስለዝግባእ ሐዚ ዘሎ ኣካልላ ምምሕዳራዊ ክልላት ረብሕኡን ጉድቱን ዘፅንዕ ኮምሽን ይጣየሽ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብዝተፈጥረ ጎንፂ ዘጋጠመ ሞትን ምምዝባልን ዳግም ከይድገም ዘተሓሳሰቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሕቶ ዘለዎ ኣካል ብዘተን ብስኩን መንፈስን ክፈትሕ ኣገንዚቦም።