ዓለምለኸ ኮርፐሬሽን ፋይናንስ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሓገዝ ክገብር እዩ…

መቐለ 08 ታሕሳስ 2011(ድምፂ ወያነ) ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኻዊ ኮርፐሬሽን ፋይናንስ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ኣብ ማሕበራዊ ድረ-ገፅ ትዊተር ኣብዘቕረብዎ ፅሑፍ ብዋና ኣካያዲ ስራሕ ዓለምለኻዊ ኮርፐሬሽን ፋይናንስ ፒሊፔ ለ ሁዬሩ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዘካየዱ ሓቢሮም።

እቲ ዘተ ብቐንዱ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ትኹረት ዝገበረ ምዃኑን ስራሕቲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘጠናኽሩ ስምምዕነታት ኣብ መንጐ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ኮርፐሬሽን ፋይናንስን ከምዝተኻየደን ድማ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ሓቢሮም።

ዓውደ ውልቐ ኣብ ዕቤት ቑጠባ ሃገርና ልዑል ግደ ክፍፅም ኣብ መንጐ መንግስትን ዓውደ ውልቐን ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ርክብ ክህልዉ ከምዝግባእ ድማ ተገሊፁ።