ፕረዝደንት ትራምፕ ንፁር ዝኾነ ስትራተጂ ፖሊሲ ወፃኢ የብሎምን ካንግ ጂይ

መቐለ 02 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ወፃኢ ንፁር ዝኾነ ስትራተጂኻዊ ዘይብሎም መራሒ እዮም ክብሉ ኣብ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ቻይና ተማራማሪ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ካንግ ጂይ ገሊፆም።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ክሳብ ሐዚ ንፁር ዝኾነ ሃገራዊን ወፃኢን ፖሊሲ ኣይዐወቱን ዝበሉ እቶም ሙሁር ቀዳምነት ኣሜሪካ ዝብል ፖሊሲኦም እውን ብኸመይ ከምዝዕወት ኣይፈልጥዎን ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መሪሕነት ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ነብሲ ወከፍ ዝዋቓዕ ዕላማታት ዝሓዘ እዩ ዝበሉ እቶም ተማራማሪ ብቅንእን ኣነነትን ዝተቓነየ ፀጥታ ካርታ ፖሊሲ ወፃኢ ጥራሕ ከምዝበልዎ ገሊፆም።

ኣማካሪ ፕረዝደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ዝኸፍአ ዝሑል ኲናት ምስ ብርክት ዝበላ ሃገራት ከምዝኣተወት ድማ ገሊፁ።

ሃገራታት ማእኸላይ ምብራቅ ፈረንሳይ፣ጀርመን ቻይናን ካልኦትን ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ የተሓሳስብ ከምዘሎ ድማ እቶም ተማራማሪ ገሊፆም።