ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ…

መቐለ 03 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ500 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ልዕሊ 500 ሰባት ዝሞቱ እኳ እንትኾኑ ተጠናኺሩ ብዝቕፅል ዘሎ ወፍሪ ክታበት ግን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ በቲ ሕማም ዝተትሓሱ ሰባት ካብ ሞት ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር ገሊፁ እዩ።

ብሓፈሻ በቲ ሕማም 502 ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም 271 ሰባት ድማ ከምዝደሓኑ ዝገለፁ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር ኦልይ ኢሉንጋ ካሌንጋ 76425 ሰባት ክኽተቡ ብምግባር ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ሞት ክድሕኑ ክኢሎም እዮም ኢሎም።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ንዓመታት ዝዘለቐ ዘይምርግጋዕ ድማ እቲ ሕማም ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ፀብፃባት ኣመልኪቶም።