ፕረዝደንት ኣልጀርያ ን5ይ ግዘ ክወዳደሩ’ዮ

መቐለ 04 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ወዲ 82 ዓመት ፕረዝደንት ኣልጀርያ ን5ይ ግዘ ንፕረዝደንት ከምዝወዳደሩ ኣፍሊጦም።

ብሃበት ነዳዲ ንእትፍለጥ ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ኣልጀርያ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝመርሑ ዓብደል ዓዚዝ ቡትፍሊካ ነታ ሃገር ክመርሑ ዓቅሚ ኣለዎም’ዶ? ብቁዕ ድዮም ዝብሉ ሕቶታት ይቀርቡሎም’ዮም።

ፕረዝደንት ቡተፍሊካ ካብ 2013ዓ.ም.ፈ ናብዚ ብሕማም ምርጋእ ደም ከምዝሳቀዩን ብፍላይ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ድማ ሒደት እዋናት’ዮም ብህዝቢ ዝረኣዩ።

ነዚ መሰረት ዝገበሩ ስግኣታት ድማ ኣልጀርያ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ተካይዶ መረፃ ን5ይ ግዘ ክወዳደሩን ነታ ሃገር ክመርሑን ዓቅሚ ኣለዎም’ዶ ብስፍሓት ይቀርቡ’ለው።

ቡቱፍሊካ’ውን ተዛሪቦም እወ ን5ይ ግዘ ንኣልጀርያ ክመርሕ ፕረዝደንታዊ ሕፁይ ኮይነ ክቀርብ’የ።ኣፍርካ ኒውስ