ሩስያ ኣብ ጉዳይ ኢንተርኔት ተቓውሞ ገጢምዋ

መቐለ 02 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ሩስያ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማን ደሕንነትን ኢንተርኔት ዘውፅኣቶ ሓዱሽ ኣንፈት ተቓውሞ ገጢምዋ፡፡

ሩስያ በቢግዚኡ እናሓየለ ይመፅእ ኣሎ ዝበለቶ መጭወይትን መጥቃዕትን ሳይበር ንምኽልኻል ሓዱሽ ኣንፈት ከምትክተል ገሊፃ ፀኒሓ እያ፡፡

ነዚ ሓዱሽ ኣንፈት ብርክት ዝበሉ ሩስያውያን ኣብ ኣደባባያት ምስኮን ካልኦት ከተማታት ሩስያን ብምውፃእ ተቓውሞኦም እናገለፁ እዮም፡፡

እቲ ሩስያ ክኽተሎ እየ እትብሎ ዘላ ኣሰራርሓ ናፅነት ውልቀ ሰባት ዝግድብን ንኢድ ኣእታውነት ዝዕድምን እዩ ክብሉ እናተቓወምዋ እዮም፡፡

ሩስያ ነቲ ሓዱሽ ኣጠቓቕማ ኢንተርኔት ክኽተሎ እየ ዝበለት በቢግዚኡ እናሓየለ ይመፅእ ዘሎ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻልን ደሕንነት ዜጋታተይ ንምሕላውን እዩ ክትብል እናገለፀት እያ፡፡