ጉጅለ ልኡኽ ንግዲ ፈረንሳይን ኬንያን ስምምዕነት 2.26 ቢልዮን ዶላር ተፈራሪሙ…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ጉጅለ ልኡኽ ንግዲ ፈረንሳይ ንህንፀት መሰረተ-ልምዓት ኬንያ ዝውዕል ስምምዕነት 2.26ቢልዮን ዶላር ተፈራሪሙ።

እቲ ብፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ዝተመርሐ ጉጅለ ንግዲ ምስ ሰበ ስልጣን ኬንያ ዝተሰማምዖ ሰነድ ካብ ናይሮቢ ናብ ከባቢ ማኡ ዝወስድ ዓብይ ጐደና ንምህናፅ ክልተ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሐ ፕሮጀክታት ሓይሊ ንምትካልን ካልኦትን ዝውዕል እዩ ተባሂሉ።

ፕረዝደንት ማክሮን ሃገሮም ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ ክጠናኸር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ፈረንሳይ ኣብ 2017ዓ.ም ፈረንጂ ጥራሕ ካብ 170ሚልዮን ክሳብ 225ሚልዮን ዶላር ዝግመት ቐረባት ናብ ኬንያ ዘእተወት ኮይና ቻይና ድማ ቐዳመይቲ መሓዛ ንግዲ ኬንያ ምዃና ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

ኣብ 2017 ጥራሕ 3.8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ቐረባት ናብ ኬንያ ምእታዋ ብኣብነት ይገልፅ።