ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ንዓለም ዝያዳ ዘተኣሳሰረ እዩ - ፕረዝደንት ፈረንሳይ…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት ዝጐድኣ እኳ ተኾነ ንዓለምና ግን ዝያዳ ኣተኣሳሲርዋ እዩ ኢሎም ፕረዝደንት ፈረንሳይ።

ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን ነዚ ዝገለፁ “ONE PLANET” ብዝብል ርእሲ ንፈለማ ግዘ ኣብ ኣህጉረ ኣፍሪካ ይካየድ ኣብዘሎ ጉባኤ እዩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ኢሎም ኢማኑኤል ማክሮን ሃገራት ዓለም ከምሓደ ስድራ ብሓደ ጠጠው ክብሉ ዝገበረ ኣጋጣሚ እዩ ኣብቲ መድረኽ ብሕቶ ማክሮን በቲ ሓደጋ ንዝተሃሰዩ ወገናት ፀሎት ሕልና ሓደ ደቂቃ ተኻይዱ እዩ።

መተሓባበሪ እቲ መድረኽ ዘይንቭርዬ ፕረዝደንት ማክሮን ኣብ ቐረባ ኣብ መበቆል ደቂ ሰብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም ብምምፀኦም መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣቕሪቦምሎም።

ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኖም ንስድራን መሳርሕትን እቶም ግዳያት ፅንዓት ተመንዮም።

ኣብቲ ጉባኤ ኮምሽነር ሓለዋ ከባቢ ደንን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ፕሮፌሰር ፍቓዱ በየነ ይሳተፉ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።