ሃፍቲ ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ረብሓ ኣይወዓለን ተባሂሉ…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰፊሕ ሃፍቲ ቱሪዝም ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ኣይውዕልን ዘሎ ተባሂሉ እዚ ዝተገለፀ BBC ትግርኛ ምስ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዎ መድረክ እዩ።

ኣብቲ መምህራንን ተምሃሮን ቱሪዝም ዩኒቨርስቲ ኣክሱምን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝተሳተፍሉ መድረክ ሃፍቲ ቱሪዝም ትግራይን ዘጋጥምዎ ዘለዉ ብድሆታትን ክግበሩ ዝግበኦም ተግባራትን ኣመልኪቶም ዘትዮም ኣለዉ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ዳይሬክተር ቱሪዝምን ኣርኪኦሎጂን ኣይተ ተክለብርሃን ለገሰ ኣብ ዘቅረብዎ ሓሳብ ሃገርና ብሃፍቲ ቱሪዝም ካብ ዓለም መበል 81 ናብ ረብሓ ኣብ ምስግጋር ግና መበል 121 ተሰሪዓ ዘላ ሃገር ከም ዝኮነትን እዚ ዘመላክት ዘለና ሃፍቲ ቱሪዝም ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ከምዘይነውዕሎ ዘለና እዩ ኢሎም።

ካሊእ ሙራዊ ሓሳቦም ዘቅረቡ ደክተር የማነ ጊደይ እውን ኣብ ክልልና ዘሎ ሃፍቲ ቱሪዝም ብመንፅር ምፍላጥን ናብ ረብሓ ምቅያርን ዘሎ ከይዲ እንትረአ ኣዝዩ ዝተረሓሓቀ ከም ዝኮነ ብምግላፅ ሕብረተሰብ መንግስትን ሰብሞያ እቲ ዓውድን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።

ነቲ መድረክ ዝመርሓ ጋዜጠኛ BBC ትግርኛ በሪሁ ሊላይ ማዕኸኖም ካብ ምልላይ ብተወሳኪ ኣብ ዝተመረፁ ጉዳያት ዘተ የካይድ ከም ዘሎ ብምሕባር ኣብቲ መድረክ ብፍላይ ምስ ፖሊሲ ተኣሳሲሩ ሰፊሕ ዓውዲ ቱሪዝም ዘለዎም ከባቢታት ሃርና ቁጠበአን በዚ ዓውዲ ክምራሕ ይግበኦ ዝብል ሰፊሕ ሙራዊ ሓሳብ ከም ዝተንፀባረቀ ገሊፁ።