ኣባላት ኮንግረንስ ኣሜሪካ ንሕቶ ዶናልድ ትራምፕ ነፂጐምዎ…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዘቕረብዎ ሕቶ ህፁፅ ሓገዝ መንደቕ ዶብ ሜክሲኮ 8ቢልዮን ዶላር ውድቒ ገይሮም።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሃገሮም ምስ ሜክስኮ ዘዋስና ዶብ ብመንደቕ ንምሕፃር ካብ እዋን ንሕንሕ መረፃ ጀሚሮም ተግባራዊ ንምግባር ቓል ዝኣተዉ ኮይኖም ነቲ መንደቕ ዝውዕል ገንዘብ ንምርካብ ተፀጊሞም ከምዘለዉ ፀብፃባት ይገልፁ።

እዚ ተግባራዊ እንተዘይኾይኑ ኣዋጅ እቶ እቶ ምእዋጅ ከምዝኽእሉ ዝተዛረቡ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣዋጅ ንምፅዳቕ ኣብ ዝተኻየደ ምሃብ ድምፂ 59 ብ41 ድምፂ ውድቒ ከምዝኾነ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እዚ ድማ ኣብ ፕረዝዳንትንት ትራምፕ ዝለዓለ ውድቀት ፖለቲካ ዘርኢ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተኻየደ ምሃብ ድምፂ ካብ ኣባላት ዲሞክራትስ ብዝሰገረ 12 ኣባላት ሪፐብሊካን እውን ዝተቓወምዎ ብምዃኑ ድማ መዘራረቢ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊፁ።