ኣብ ኒውዝላንድ ብዝተፈፀመ ግብረ ሽበራዊ ምጥቓዕቲ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ኒውዝላንድ ኣብ ክልተ መስጊድ ብዘጋጠመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣስታት 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

ብሓደ ዕጡቕ ብዝተኸፈተ ግብረ ሽብራዊ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመ እቲ ሓደጋ ኣብ ክልተ መስጊድ ስነ-ስርዓት ፀሎት የካይዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዘነፃፀረ ምዃኑ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

በቲ ሓደጋ ግብረ ሽበራ ካልኦት 20 ሰባት ከምዝቖሰሉ ዝገለፁ ፀብፃባት ኣብ ታሪክ እታ ሃገር ዝኸፍኣ ሓደጋ ግብረ ሽበራ ምዃኑ ተገሊፁ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ ኣርዶርን ድሕሪ እቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዝተተለመ ኣገባብ ዝተኻየደ እቲ መጥቓዕቲ ንህዝቢ እታ ሃገር ዘሕዘነ እዩ።

እዛ ዕለት ንኒዝውላንዳውያን ፀልማት መዓልቲ እያ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ መንግስቲ ብልዑል ሓላፍነት ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ነቲ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ስዒቡ መራሕቲ ሃገራት ቱርኪ፣ ኢንዶኖዥያ፣ ማሊዥያ፣ ጀርመን ስኮትላንድ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ፓኪስታንን ኣውስትራልያን መልእኽቲ ሓዘን ከምዘመሓላለፉ ድማ ኣልጀዚራ ሓቢሩ።