ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ልዕሊ ህፃናት ፀገም ጥዕና ይፈጥር ኣሎ…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ብደረጃ ዓለም ዝረኣ ዘሎ ሳዕቤን ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዓለም ዝለዓለ ፅልዋን ፀገም ጥዕናን ይፈጥር ምህላዉ ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብ ሃገራት ህንዲ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ኣውስትራልያን ፈረንሳይን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ህፃናት ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንዝለዓለ ፀገም ጥዕና ይቓልዑ ከምዘለዉ ድማ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብምዃኑ ብርክት ዝበሉ ህፃናት ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዕቦ ዘሎ ኣሉታዊ ፅልዋ ብምቕዋም ዓመፅ የካይዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ፅዕንቶ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምንካይ መዓልታዊ ተግባራዊ ምንቅስቓስን ስራሕን ይሓትት ብዝብል ብተምሃሮ ስዊድን ዝተጀመረ እቲ ዓመፅ ናብ ብርክት ዝብላ ሃገራት ከምዝተስፋሕፍሐ ድማ ተገሊፁ።

ተመራመርቲ ሓለዋ ስነ-ከባቢ ብወገኖም በቢእዋኑ ሳዕቤኑ ዝዛይድ ዘሎ ፅዕንቶ ለውጢ ኩነታት ኣየር ህፁፅ ስጉምቲ ከምዘድሊ እናገለፁ እዮም።

እቲ ብተምሃሮ ዝተጀመረ ዓመፅ ብማሕበራዊ ድረ-ገፅን ትዊተርን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።