ንራብዓይ ዙርያ ቖፀራ ህዝብን ኣባይትን ዘድሊ ቅድመ ምድላው ተወጊኑ…

መቐለ 06 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብዚ ወርሒ መወዳእታ ንዝካየድ ሃገርለኸ ራብዓይ ዙርያ ቖፀራ ህዝብን ኣባይትን ዘድሊ ቅድመ ምድላው ከምዝተገወነ ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታቲስቲክስ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ዋና ዳይሪክተር እቲ ኤጀንሲ ወይዘሪት ኣበራሽ ታሪኩ ከምዝበልኦ 29 መጋቢት 2011ዓ.ም ብዕሊ ዝጅመር እቲ ሃገርለኸ ቖፀራ ህዝብን ኣባይትን ንምስላጥ ስራሕ ካርታ፣ ምዕባይ ማእኸል ሓበሬታ፣ ምምላእ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ሎጂስቲክስን ከምዝተወገነ ሓቢረን።

ኣብቲ ዝካየድ ሃገርለኸ ራብዓይ ዙርያ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ብሓፈሻ ልዕሊ 180ሽሕ ሓይሊ ሰብ ከምዝዋፈር ዝገለፃ እተን ምኽትል ዳይሪክተር ቖፀራ ህዝብን ኣባይትን እዚ ዓመት ብድጅታል ቴክኖሎጂ /ታብሌት ኮምፒዩተር/ ከምዝካየድ ድማ ገሊፀን።

እቲ ዝእከብ ሓበሬታ ድማ ካብ ፌደራል ክሳብ ወረዳ ናይ ባዕሉ ተቖፃፀርቲ ዘለዉዎ ኮይኖም ዝተኣከበ መረዳእታ ምስ ኢትዮ-ቴሌኮም ብምትሕብባር ብቐጥታ ናብ ማእኸል ሓበሬታ ዝኣትወሉ ስርዓት እውን ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ራብዓይ ሃገርለኸ ቖፀራ ህዝብን ኣባይትን ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 20 ሚያዝያ ዝካየድ እዩ።

በቲ ቖፀራ ዝርከብ ውፅኢት ድማ ካልኦት እታወታት ወረዳ እታ ብምጥቃም ንትንቢያ በዝሒ ህዝቢ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ ኣሎ።