ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያ ሱዳንን ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

መቐለ 18 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያ ሱዳንን ኣብ ቐፃሊ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተፈሊጡ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝሓበሮ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ቐፃሊ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ’ዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ልዕሊ 150 ሱዳናውያን ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ፎረም ክሳተፉ እዮም ክብሉ ገሊፆም።

ዕላማ እቲ ፎረም ኣብ ሞንጐ 2ቲኤን ሃገራት ዘሎ ጥንኩር ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምዕባይ ምዃኑ ተሓቢሩ።