ኢራን ስምምዕነት ኒኩሌር 2015ዓ/ም/ፈ ንምትግባር ድልውቲ እያ ተባሂሉ

መቐለ 08 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ኢራን ንስምምዕነት ኒኩሌር 2015ዓ/ም/ፈረንጂ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ሐዚ’ውን ድልውቲ እያ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝበልዎ ኣሜሪካ ዋላ’ኳ ካብ ስምምዕነት ኒኩሌር ኢራንን ሓያላት ሃገራት ዓለምን ምውፃኣ ዕላዊ እንተገበረት ኢራን ንተግባራውነት እቲ ዓለምለኻዊ ስምምዕንት ውፍይቲ እያ ኢሎም።

ዋሽንግተን ካብቲ ስምምዕነት ብምውፃእ ተርእዮ ዘላ ፃሕታራይነት ነገርን ኩናትን ግና ቅቡል ከመዘይኾን ሓቢሮም።

ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ታሮ ኮኖ ዝተራኸቡ ዛሪፍ ኢራን ብሓደ ወገን ነቲ ስምምዕነት ምስ ዘኽብራ ሃገራት ብሓባር ንምስራሕ ድልውቲ ኮይና ብኣሜሪካ ንዝበፅሓ ዘሎ ፅዕንቶን ስግኣትን ንምምካት ድማ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ድልውቲ’ያ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዘሎ ምትፍናን ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ በፂሑ ከምዘሎ ፀብፃባት ይገልፁ።