ዘተ ተቓወምትን ተወከልቲ መንግስትን ቬንዙዌላ ተጀሚሩ

መቐለ 08 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ተቓወምትን ተወከልቲ መንግስትን ቬንዙዌላ ኣብ ጉዳይ ፍታሕ ፖለቲካዊ ቅልውላው ቬንዙዌላ ዘተ ንምክያድ ናብ ኖርወይ ከምዘምርሑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ሐዚ ዝተጀመረ ዘተ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ብዘተ ብምፍታሕ ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን መንግስትን ቬንዙዌላ ዘሎ ወጥሪ ንምሕዳስ ‘ዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብዘተ ንምፍታሕ ነቲ ዘተ ይመርሕዎ ከምዘለዉ ድማ ተገሊፁ።