ዓመታዊ በጀት ስዑዲ ዓረብያ ብ7 ሚኢታዊ ነክዩ

መቐለ 08 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ጉድለት በጀት 2019ዓ/ም/ፈ ስዑዲ ዓረብያ ካብ ሓፈሻዊ እቶት ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ብ7 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዘርኣየ ትካል ገንዘብ ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ጉድለት በጀት ብምኽንያት ልዑል መጠን ወፃኢታት መንግስትን ዘይተረጋገዐ ዋጋ ነዳዲ ዕዳጋ ዓለምን ምዃኑ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እቲ ብዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ዝወፀ ሓበሬታ ምናልባት እውን ኣብ ዕቤት ቁጠባ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ተመልኪቱ ኣሎ።

እቲ ትካል ሐዚ ዘውፅኦ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ስዑድ ዓረብያ ንዝለዓለ ጉድለት በጀት ከይትቃላዕ ኣማራፅታት ክትወስድ ድማ ሓቲቱ።

ብመሰረት እዚ ምንካይ ወፃኢታት መንግስትን ምርግጋዕ ቁጠባ እታ ሃገርን ወሰንቲ ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ።