ርክብ ኢትዮጵያን ኬንያን እናተጠናኸረ ይከይድ ኣሎ -ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

መቐለ 08 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ርክብ ኢትዮጵያን ኬንያን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጠናኸረን ውፅኢታውን እናኾነን ይከይድ ከምዘሎን ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ፕሬዝዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካየድኦ ዑደት ኣብ ናይሮቢ ምስ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያንን ከምዝዘተያ ድማ ኢዜኣ ፀብፂቡ።

ኣብቲ እዋን ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ዝርከብ ርክብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብዝበለፀ ውፅኢታውን ዝተጠናኸረን ክኸውን ዜጋታት 2ቲኤን ሃገራት ልዑል ግደ ክፍፅሙ ኣለዎም ክብላ ገሊፀን።

ኢትዮጵያውያን ንሃገሮም ዝገብርዎ ሓገዝ ከጠናኽሩ ድማ ሓቲተን።

ኣብ ኢትዮጵያ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ዘረጋገፁ ስራሕቲ ንምስራሕ ብዝለዓለ ሓላፍነት ከምዝሰርሓ ድማ እተን ፕሬዝዳንት ተዛሪበን።

ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ዘለዋ 2ቲኣውን ስትራተጂካውን ርክብን ምሕዝነትን ብዝበለፀ ክጠናኸር ድልየት ከምዘለዋ ምግላፀን ኢዜኣ ኣዘኻኪሩ።