ሕብሪ ኣራንሺ ዘለዎ ሽኮር ድንሽ ብምፍራይና ተረቢሕና - ሓረስቶት

መቐለ 08 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ወረዳ እንደርታ ነበርቲ ጣብያ ጨለቖት ዝኾኑ ሓረስቶት ሕብሪ ኣራንሺ ዘለዎ ሽኮር ድንሽ ብምፍራዮም ኣብ ቁጠበኦምን ጥዕንኦምን ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ምስ ቢሮ ሕርሻን ገፀር ልምዓትን ብምትሕብባር ፅሬቱ ዝሓለወ ሽኮር ድንሽ ኣብ ምብዛሕን ምስፍሕፋሕን ኣመልኪቱ ካብ 13 ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ መድረኽ ተሞክሮ ምልውዋጥ ኣካይዱ።

ብመሰረት እዚ ድማ ሽኮር ድንሽ ኣፍረይቲ ካብ ዝኾኑ ነበርቲ ጣብያ ጨለቖት ዑደት ዘካየዳ እንትኾን ኣብቲ እዋን ዝረኸብናዮም ሓረስቶት ወ/ሮ ኣበባ ገ/ዝገሄርን ኣይተ ካልኣዩ ሕሉፍን መንግስቲ ብዝሃቦም ምሩፅ ዓሌት ኣራንሺ ሕብሪ ዘለዎ ሽኮር ድንሽ ብምፍራዮም ኣብ ቁጠበኦም ኢሉ’ውን ጥዕና ደቆም ንምሕላውን ከምዝሕግዞም ሪኢቶኦም ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣካፊሎም።

ሕብሪ ኣራንሺ ዘለዎ ሽኮር ድንሽ ምስ ፃዕዳ ሽኮር ድንሽ እንትነፃፀር ድርቂ ዝፃወር ዝሓሸ ካርቦሃይድሬትን ቫይታሚን Aን ዘለዎን ንምግብነት እንስሳ’ውን ዝውዕልን ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ዝህቦ ረብሓ ብዝግባእ ተረዲኡ ኣብ ስርዓት ኣመጋግብኡ ኣካቲቱ ክጥቀመሉ ከምዝግባእ ድማ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ ኣሎ።