ልዕሊ 1 ሽሕን 800 ማክሮፕ ዝዓይነቱ ሽጉጥ ጠያይቲ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅርውዒሉ

መቐለ 08 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ብምትሕብባር ሕብረተሰብ ኣካላት ፀጥታን ልዕሊ 1 ሽሕን 800 ማክሮፕ ዝዓይነቱ ሽጉጥ ጠያይቲ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝወዓለ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣፍሊጡ።

እቲ ጠያይቲ ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ቀበሌ 03 ቀጠና 3 ከባቢ ስታድየም እታ ከተማ ከምዝተትሓዘ ዝገለፁ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣይተ ፃድቕ ወልደ ኪሮስ ፤ ቅድሚ 3 ተ ማዓልቲ ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፀሖም ሓበሬታ መሰረት ክከታተልዎ ድሕሪ ምፅናሕ ግንቦት 6 / 2011 ዓ.ም ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ተጠርጣሪ መንእሰይ ሓጎስ ፀጋይ እቲ ንብረት ካብ ገዛ ሒዙ ክወፅእ ብኣካላት ፀጥታ ኢድ ብኢድ ከም ዝተትሓዘ ኣመልኪቶም።

ሕብረተሰብ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ተገንዚቡ ምስ ኣካላት ፀጥታ ተዋዲዱ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ዝነኣድ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ፃድቕ ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ፀረ ሰላም ሓይልታት ሕብረተሰብ እናተኸታተለ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ምሃብ ተጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ተጠርጣሪ ጉዳዩ ናብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ሰቲት ሑመራ ተሰጋጊሩ ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።