ዘተ ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴን ኩባንያታት ንግዲ ኣሜሪካን

05 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኩባንያታት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣሜሪካ ዘትየን።

እተን ፕረዚደንት ኣብ ትሕቲ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣሜሪካ ምስ ዝንቀሳቐሱ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ኩባንያታት እንትዝትያ እቶም ኩባንያታት ኣብ ዓውድታት ኢነርጂ፣ትምህርቲ፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ጥዕና፣ፋይናንስን ቱሪዝምን ዝነጥፉ እዮም።

መረሒ ልኡኽ ጉጅለ እዞም ኩባንያታት ምክትል ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣሜሪካ ሚስተር ማይረን ቢሪልያንት ዕለማ እቲ ዘተ ኩባንየታት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልዎም ተሳትፎ ክቦ ንምባል እዩ ኢሎም።

ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ብወገነን ሰብ ፀጋ ኣሜሪካ መዋእለ ነዋዮም ኣብ ኢትዮጵያ ፈሰስ ብምግባር ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዝያደ ክጠናኸር ይግባእ ምባለን ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።