ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጠ15.7 ሚልዮን ቅርሺ ፕሮጀክታት ልምዓት ይሳለጡ ኣለዉ።

05 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ)ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ መንግስቲ ብዝመደቦ ልዕሊ 15 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ብር ይህነፁ ካብ ዘለዉ 19 ፕሮጀክትታት ልምዓት እቶም 10 ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዛዘሙ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን፣መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ኣይተ መንግስቶም ኣብርሃ ከምዝገለፁዎ እቶም ህንፀቶም ዝተዛዘሙ ዓሰርተ ፕሮጀክትታት ልምዓት 8 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሎም እዮም። ካብዚኦም ክፍልታት መምሀሪ፣ ኣብያተ ፈተነ፣ደረጅኦም ዝሓለዉ ሰፈራት ኣናህብ፣ ሓፁር ማእኸል መሰልጠኒ ሓረስቶትን ህዝቢ ዝግልገለሎም ሽቓቓትን ከምዝርከቡዎም ኣይተ መንግስቶም ሓቢሮም።

ኣብታ ወረዳ መንግስቲ ብዝመደቦ ተወሳኺ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ብር ባጀት ህንፀት ትሸዓተ ፕሮጀክትታት ልምዓት ይሳለጥ ምህላዉ እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም።

እቶም ኣብ ህንፀት ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ልምዓት ማእኸል ሕክምናን ኽታበትን እንስሳ ዘቤት፣መአከቢ ኣዳራሽ፣መኽዝን ሕብረት ስራሕ ማሕበር፣መትረባት መወገዲ ውሑጅን ምንፃፍ ፅሩብ እምንን ዘካተቱ ምዃኖም ዝሓበሩ ኣይተ መንግስቶም እዚኦም ኣብ ዝተነፀረሎም ሰሌዳ ጊዜ ንምዝዛም ፃዕሪ እንዳተገበረ ምዃኑ ተዛሪቦም።