ሰሜን ኮርያ 2 ቢልዮን ዶላር ጉሒላ-ው/ሕ/መ

1 ነሓሰ 2011(ድምፂ ወያነ)ሰሜን ኮርያ ንመማዕበሊ ኣፅዋር ኒኩሌር ዝውዕል 2 ቢልዮን ዶላር ብመጥቃዕቲ ሳይበር ኣቢላ ከምዝጎሓለት ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝለሓኹ ሓበሬታታት ኣመልኪቶም።   ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዘመልከቶ ፕዮንግያንግ እቲ ገንዘብ ንምእካብ ብዋናንት ባንክታትን ካልኦት ትካላት ገንዘብን ዒላማ ዝገበሩ 35 መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዝፈፀመት ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ እዩ።   ትማሊ ሰሉስ 2 ፈተነ ምትኳስ ሚሳይል ዘካየደት ሰሜን ኮርያ 2 ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን 4 ሚሳይላት ከምዘወንጨፈት ተፈሊጡ።   መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን እቲ ፈተነ ምትኳስ ሚሳይል ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ንዘካይድኦ ሓበራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ንምጥንቃቕ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።   እቲ ሓበራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ስምምዕነት ሰላም ዝጥሕስ ተግባር ምዃኑ ፕዮንግያንግ እናኸሰሰት እያ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።