ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን ጠጠው ክብል ክሳራሕ እዩ።

2 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ)ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ንግዲን ኮንትሮ ባንድን ካብ ኣታዊ ብዝዘለለ ጉዳይ ልኣሉዊነት እናኾነ ከምዝመፀ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።   ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ንግዲን ኮንትሮባንድን ብብርኪ ሃገር ምክልኻል ዘኽእል ትልሚ ዕላዊ ኮይኑ   ኣብቲ እዋን ዘረባ ዘስመዑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን እቲ ትልሚ ኣብ በቢ ብርኩ ዝርከቡ ሰብ ብፅሒት ምውዳድን ቁርፀኛ ውሳነን ዝሓትት ምዃኑ ተዛሪቦም።   ካብ ኮንትሮባንድ ንላዕሊ ከበድቲ ፈተናታት ሓሊፍና ኢና። ኩላትና እንተተሓባቢርና ድማ ኮንትሮባንድ ምቁፅፃር ንኽእል ኢና ኢሎም ኣለዉ።   ኢትዮጵያ ዝሓሸ ቁጠባዊ ዕቤት እናመዝገበት ዋላ እንተሃለወት ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግድን ግና ሕዚ እውን ዓበይቲ ፈተናታት ኮይኖም ከምዘለዉ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።   ኮንትሮባንድ ንምቁፅፃር ቀንዲ ኣጀንዳ በጀት ዓመት 2012 እዩ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ ክሳብ ጣብያ ዝበፅሕ ሕብረተሰብ ዘሳትፍ ምንቅስቓስ ከም ዝሳለጥ ኣረዲኦም።   ሚኒስትር እቶት ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገነን ቀንዲ ውራይ 2012 ዓ/ም ቤት ፅሕፈተን ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግድን ምቁፅፃር ምዃኑ ኣመልኪተን።