ፖለቲካዊ ፀገም ኣፍጋኒስታን ክኢላ ተስፋ ዝተገበረሉ ዘተ ሰላም ኣሜሪካን ታሊባንን ተቛሪፁ

መቐለ 05 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) 18 ዓመታት ዝገበረ ፖለቲካዊ ፀገም ኣፍጋኒስታን ክኢላ ተስፋ ዝተገበረሉ ዘተ ኣሜሪካን ታሊባንን ጠጠው ከምዝብል ተገሊፁ።

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ዝኾነ ኣካል ዘይተዘራረብካሉን ባዕለይ ዝወሰንክዎን ዝበልዎ ውጡን ዘተ ኣሜሪካን ታሊባንን ብሰንኪ ንወታሃደራት ኣሜሪካ ሓዊሱ ህይወት 12 ሰባት ዝበልዐ መጥቓዕቲ ታሊባን ጠጠው ኢሉ ኣሎ።

ትራምፕ ንተወከልቲ ታሊባን ብምስጢር ኣብ ኣሜሪካ ተራኺቦም ክዘራረቡ ዝተተሓዘ ቆፀሮ ምስራዙ ስዒቡ ታሊባን ኣውራ ተገዳኢት ኣሜሪካ እያ” በሃሊ እዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ወታሃደራዊ ሓይሊ ክትስሕብ ቑልፊ ጉዳይ ዋላ እኳ እንተኾነ ሕዚ እውን ግን ልዕሊ 14ሽሕ ወታሃደራት እታ ሃገር ኣብቲ ቦታ ከምዘለዉ ቢቢሲ ገሊፁ።

ትራምፕ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለዎም ቕዋም እወ ክንወፅእ ኢና ክንወፅእ ግን ክንወፅኣሉ ኣብ ዝግባእ ትኽክለኛ ስዓት እዩ ኢሎም።

ዓመፅቲ ታሊባን ምስ መንግስቲ ኣፍጋን ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ድሕሪ ምወፃእ ወታሃደራት ኣሜሪካ ክኸውን ከምዘለዎ ኣትሪሮም ይሙጉቱ ኣብዚ ዓመት ጥራይ 16 ወታሃደራት ኣሜሪካ ምቕታሎም ተገሊፁ።